ቡን ንምፍላሕ እንጥቀመሉ መሳርሒ
ጀበና
ኣብ ዓመት ክንደይ ኣዋርሕ ኣለዋ:
12 ዓሰርተ ክልተ
ነቦኻ ኣቡኡ ንዓኻ/ኺ እንታይካ እዩ :
ኣባሓጎይ
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ባሕሪ መን ይበሃል:
ቀይሕ ባሕሪ
ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና
ርጉጽ ዘይኮነ
እንጀራ ዝስንከተሉ ብኳይላ/ሓመድ ዝስራሕ ባህላዊ መሳርሒ
ሞገጎ
ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ
ጥሪ
ነቦኻ ኣዲኡ ንዓኻ/ኺ እንታይካ እዩ :
ዓባየይ
ባጤራ ኤርትራ እንታይ ይበሃል:
ናቕፋ
መንገዲ ጥዕናስ ዓመት ኪዶ።
ካብ ሓደጋ ዘለዎ ሓጺር መንገዲ ምኻድ ሓደጋ ዘይብሉ ነዊሕ መንገዲ ምካድ ይበልጽ
ጸብሒ ካብ ድስቲ ቀዲሕና እነውጽኣሉ ማንካ ዝመሳሰል መሳርሒ እንታይ ይበሃል
ጭልፋ
ናይ ዓመት መወዳእታ ወርሒ
ታሕሳስ
ነቦኻ ሓፍቱ: ንዓኻ/ኺ እንታይካ እያ :
ኣሞይ
ኣብ ኤርትራ ዝዝረቡ ቃንቋታት ብዘይካ ትግርኛን ዓረብኛን ሰለስተ ጥቐስ
ኩናማ ራሻይዳ ሳሆ ትግረ ሕዳረብ ዓፋር ብሌን
ሓሚምካ እንተኸድካዮም: ሞይቶም ይጸንሑኻ።
ካባኻ ዝገደደ ሽግር ዘለዎ ሰብ ሓገዝ ምስእትሓትት
መግቢ ንምስራሕ እንጥቀመሉ ብኻይላ/ሓመድ ዝስራሕ ድስቲ እንታይ ይበሃል
ጻሕሊ
ሕጂ ዘለናዮ ወርሒ
መጋቢት
ነቦኻ ሓዉ: ንዓኻ/ኺ እንታይካ እዩ :
ሓወቦይ
ኤርትራ ክንደይ ወደባት ኣለዋ:
2
ምእንቲ ምጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ
ንዝዓበየ ነገር ኢልካ ንእሽተይ ጸገም/ጉዳይ ሸለል ምባል ወይ ከምዘይርኣኻዮ ምሕላፍ
ስዋ ኣብ ምንታይ ይጽሞቕ
ዕትሮ
መበል 13 ወርሒ ግእዝ እንታይ ይበሃል
ጳጉመ
ነደኻ ሓፍታ: ንዓኻ/ኺ እንታይካ እያ :
ሓትነይ
ኤርትራ ክንደይ ዞባታት ኣለዋ:
6
ንብዓት ሓርገጽ ነቢዑ
ሓቀኛ ዘይኮነ/ካብ ልቢ ዘይኮነ ንብዓት