culture (ባህሊ)
History (ታሪኽ)
Art (ስነጥበብ)
Illustrations (ምስላ)
Sport ስፖርት
1

ካብ ባህላዊ ኣቁሑ ውጺት ዕንጸይቲ ዝኮኑ 4 ጥቀስ?

መጉእ፣ዱኻ፣መደግደግ፣ሒላብ፣ሚዶ፣ኣልባ,,,,,ወዘተ

1

ቅዝፈት 366 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደስየት ላምፓዶዛ ማኣስ ዕለትን ወርሒን ዓመት ኔሩ?

ሀ 04.ጥቅምቲ.2013

ለ 03.ጥቅምቲ.2013

መ 04.ታሕሳስ.2013

ሐ 04.ሕዳር.2013 

ለ 03.ጥቅምቲ.2013 or 03.octobor.2013

1

5 ኣርእስቲ ካብ ደርፍታት የውሃንስ ቱካቦ (ወዲ ትካቦ )ጥቀስ?

ይገርመና ኣሎ፣ምዕራፍ፣ዘመን፣ታሪኽ ኣለዎ እቲ ጎቦ፣ጉዕ ለሚነይ፣ዋርሳይ ገዲም፣መንእሰይ፣ግዜ,,,,ወዘት

1

ነገር ብምሳለ መዝሙር ብ,,,,,,,,

ብሃሌ

1

ኣብ 2014 ዕውቲ ዋንጫ ዓለም ዝኮነት ሃገራዊት ጋንታ መን ትብሃል?

ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን

2

ካብዞም ዝስዕቡ ቃላት ካልእ ትርጉም  ዘለዎ ቃል ኣየነይቲ ኢያ?

ሀ ዘራዓይ

ለ ሓላዊ

መ ዘናባይ

ሐ   ተጋዳላይ 

ሰ ኩሎም መልሲ

ሐ ተጋዳላይ 

2

ኣብ ቃልሲ  ንናጽነ ኤርትራ ክንደይ ሰማእታት ከፊላ? ብዝባሃል

80000 ሰማእታት

2

እዛ ግጥሚ ካበ ኣየነይቲ ንጽል ደርፊ ነብሲሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኢያ

ሃብታማት ካብ ኔው ትመጹ

 ናይ ጓሓፍ ባሕሪ ትመርጹ 

ትምኒትኹም መታን ክትገልጹ 

ኣገባብ ንኽትሕንጽጹ

 መን ዩ ዋና ኣረጋግጹ 

ሓንሳብ ሓንሳብ መን ዩ ዋና ኣረጋግጹ 

ወደ ባት ኣረጋግጹ

1.ስድራ

2.ኣብ ሂወተይ

3.ቆጽሊ ጋባ

4.ኤረና

3.ቆጽሊ ጋባ

2

ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ ነገር ወዲእካ ,,,,,,

ፈጽሚ

2

ክሳብዝሕጂ እዋን ብኩቡር ዋጋ ተሸይጡ ዝርከብ ተጻወታይ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና መን ይብሃል

1.ለሉዮል መሲ

2.ክርስትያኖ ረናልዶ

3.ጆር ኔማር

4.ዝኒዲ ዚዳን

ጆር ኔማር

3

ጊደበሉ ዓይነት እንታይ ኢዩ?

ዓይነት ኣሕምልቲ

3

ን ኤርትራ ካብዝገዝኣኣ ሃገራት ብዘይካ ኢትዮፕያ ሰለስተ ግለጽ?

ዓባይ ብርጣንያ (እንግሊዝ) ፣ጥልያን ፣ቱርኪ፣

3

ወለዲ ክንደይ ትናፈቁ ኢሉ ዝደረፈ ገዲም ስነጥበበና መን ይብሃል?

ስዉእ ተጋዳላይ ዑቅባጋብር ወልደትንሳኤ

3

ዋሕስ ኣፍ የብሉ,,,,,,,ደም የብሉ

ጻጸ

3

ቶኒ ክሮስ ዝብሃል ተጻወታይ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣበየነይቲ ክለብ ይጻወት ኣሎ  

1.ቸልሲ

2.ባየር ሙኒክ

3.ሬያል ማድሪድ

4.ጀርመን

5.መልሰ 3 ን 4


3 ሬያል ማድሪድ

4

ሓደ ሰብ 6 ኣቡዑር እንተ ሃልየሞ ክንደይ ጽምዲ ኣለውዎ ይብሃል?

3 ጽምዲ

4

ሕጊ ኣድግናን-ገለባን ምኣስ ኣብ ግብሪ  ዊዒሉ?
ሀ 24.ጉንበት 1991 ዓ.ም

ለ 6.ጥሪ 1945 ዓ.ም

ሐ 1941  ዓ.ም

መ 1890  ዓ.ም

ለ 6.ጥሪ 1945 ዓ.ም 

4

ትኽእል ኢካ ትብል መጽሓፍ ዝደረሳ መጽሓፍ መን ይብሃል?

ሀ ሳልሕ ሲዒድ

ለ ሓበን ተኪአ

ሐ ደበሳይ መብራህቱ

መ ሓበን ክፍሎም 

ለ ሓበን ተኪአ (ኦኣም)

4

ዝሃጎጎ መሸላ ኣይትሓሉ ክልተ ደቂ እኖ (ኣደ),,,,,,,,,

ኣይተዳሉ

4

ሓደ ካብቶም ኮኮብ ተጻወታይ ዓለምና ዝነበረ ዲያጎ ማራዶና ምኣስ ዓመተ ምህረት ዓሪፉ

1.1990

2.1998

3.2000

4.2020


4.2020

5

ኣብ እንዳ ሕጽኖት ካብዝጽወቱ 3 ባህላዊ ጸወታታት ጥቀስ?

ገበጣ፣ኣዳራራስ፣ወግዒ፣ጨፈራ,,,,ወዘተ

5

እንግሊዝ ን ኤርትራ ምኣስ ዓ.ም ገዲፍዋ?

ሀ 1993ዓ.ም

ለ 1941ዓ.ም

ሐ 1952ዓ.ም

መ 1945 ዓ.ም

ሐ 1952ዓ.ም

5

ሸሸሪበ ኣረቀይ ጅነይ

ናብዛ ስጅነይ ኢሉ ዝደረፈ መንይብሃል?

ሀ ክፍሎም ይካኣሎ

ለ መድሃኔ ገብረመድህን

ሐ ኤርምያስ ክፍለዝጊ

መ ጎይታኦም ነጋሲ

ሰ መልሲ የለን

መ ጎይታኦም ነጋሲ

5

,,,,,,,,ብርሑሱ ቆልዓ ብንኡሱ

ቆርበት

5

ክልተ ካብ ተቃዳደምቲ ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ ትርድ ፍራንስ ዝተሳተፉ ግለጽ

መርሃዊ ቁዱስ፣ዳኒኤል ተክለሃይማኖት፣መክሰብ ደበሳይ

M
e
n
u