1. ደራሲ መጽሓፍ ባቢሎን መን እዩ?
ሀ. ዶክተር ርእሶም ሃይለ
ለ. ዶክተር ክብርኣብ ፍረ
ሐ.ኣለምሰገድ ተስፋይ
መ. በየነ ቀላቲ
ለ. ዶክተር ክብርኣብ ፍረ
1. ኤርትራ ዝብል ስም ካበየናይ ቛንቛ ዝተወረሰ እዩ?
ሀ. ቛንቛ ጥልያን
ለ. ቛንቛ ዓረብ
ሐ. ቛንቛ ግሪክ
መ. ቛንቛ ግእዝ
ሐ. ቛንቛ ግሪክ
1. ኣዋጅ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት (Universal Declaration of Human Rights) መዓስ ተኣዊጁ ?
ሀ. 10 ታሕሳስ 1948
ለ. 10 ነሓሰ 1949
ሐ. 10 መስከረም 1945
መ. 10 ጥሪ 1990
ሀ. 10 ታሕሳስ 1948
1. ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት 'ጸያቒ ማዕጺድ' ዝብልዎ እንታይ ምስ ዘጋጥም እዩ?
ሀ. ምህርቲ ክሕፈስ ምስ ቀረበ ዝመጽእ ዘይተደለየ ማይ፡
ለ. ምህርቲ ምስ ተሓፍሰ ድሒሩ ዝመጽእ ማይ
ሐ. ንማዕጺድ ዘበላሹ
መ. መልስ የለን፡
ሀ. ምህርቲ ክሕፈስ ምስ ቀረበ ዝመጽእ ዘይተደለየ ማይ፡
ኣፍ ዘይብላ ሳርማ
እንቛቑሖ
2. ስግር ቤትና ትብል ደርፊ ፈለማ ዝደረፋ ስነጥበባዊ መን ይብሃል?
ሀ. ሳሚ ብርሃነ
ለ. ዓንዲት ዑቑባይ
ሐ. ዑስማን ዓብደልረሒም
መ. ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ
ሐ. ዑስማን ዓብደልረሒም
2. ፈላሚ ሰውራ ኤርትራ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣበይ ትሰዊኡ?
ሀ. ሃይኮታ
ለ. ተሰነይ
ሐ. ገርሰት
መ. ፋንኮ
ሐ. ገርሰት
2. ቀዳማይ ዓንቀጽ ኣዋጅ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ይብል?
ሀ. ኩሎም ሰባት እንክውለዱ ነጻን ማዕረን እዮም፡
ለ.ነብስወከፍ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ፡
ሐ. ዝኾነ ሰብ ብሕጊ ይዳነ፡
መ.ዝኾነ ሰብ ንብረት ክውንን መሰሉ እዮ፡
ሀ. ኩሎም ሰባት እንክውለዱ ነጻን ማዕረን እዮም፡
3. ካብ'ዘን ዝጥቀሳ ካብ ስነ- ስርዓት መርዓ ዘይኮነ፡
ሀ. ምቕንጣጥ
ለ.ምልሶት
ሐ.ዓሱር
መ. ሕልፎት፡
ሐ.ዓሱር
3. ኣብ ኤርትራ ዓመት መጸ ኣብ ኤክስፖ ኣብ ዝጽንብል ፌስቲቫል ኣብ ዓውደ ስነጥበብ ዝለዓለ ሞያዊ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ብሉጻት ስነጥበባውያን ዝውሃብ ሽልማት እንታይ ይብሃል?
ሀ. ሽንግርዋ
ለ. ራይሞክ
ሐ. ደባይዋ
መ. ፋርስ
ለ. ራይሞክ
3. ደጅኣዝማች ባህታ ሓጎስ (ባህታ ሰገነይቲ) ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ ስም ዘለዎም ኮይኖም ብምንታይ ይዝከሩ?
ሀ. ጀማሪ ሰዉራ ኤርትራ ስለዝኾነ፡
ለ. ፈላማ ዝትሰውአ ስለዝኾነ፡
ሐ.ንባዕዳውያን ዕብለላ ይቃወምን ይቃለስን ስለዝነበረ፡
መ. ንመግዛእቲ ባዕዳውያን ይቕበል ኔሩ፡
ሐ.ንባዕዳውያን ዕብለላ ይቃወምን ይቃለስን ስለዝነበረ፡
4. ኣብ ኤርትራ ብውልቀመላኺ ስርዓት ምዕጻው ብሕታውያን ጋዜጣታትን ምኽልካል ናጻ ፕረስ መዓስ እዮ ኔሩ?
ሀ. 2001
ለ. 2000
ሐ. 2002
መ. 1999
ሀ. 2001
4. ኣብ መርዓ ቀዳም ምሸት ናብ እንዳጓል ዝኽየደሉ እንታይ ይብሃል፡
ሀ. ሳልስቲ
ለ. ዓርክ ሕልፎት
ሐ. ምልሶት
መ. መልስ የለን፡
ለ. ዓርክ ሕልፎት
እግሪ
4. ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ኮሜድያን ኣይኮነን፡
ሀ. ሓጎስ ወልደገብርኤል (ሱዚኒኖ)
ለ. ዮናስ ምሕረተኣብ (ማይናስ)
ሐ. ዳዊት ያቆብ
መ. ደበሳይ ወልዱ
መ. ደበሳይ ወልዱ
4. ምምሕዳር እንግሊዝ ናብ ኤርትራ መዓስ ኣትዩ?
ሀ. 1942
ለ. 1952
ሐ. 1955
መ. 1962
ሀ. 1942
5. ኣብ ኣዋጅ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ክንደይ ዓንቀጻት ይርከብ?
ሀ. 29
ለ. 28
ሐ. 30
መ. 31
ሐ. 30
5. ዝተቀጥቀጠ ዝራብዕ እንታይ ይብሃል፡
ሀ. ብተይ
ለ. ምራኽ
ሐ. ተስታይ
መ. ዝትኸንሸበ፡
ሐ. ተስታይ
ዝሓበጠት ልቢ _________ ፈውሳ