ስነጥበብ
ሰብን ቦታን
ታሪኽ
ባህልን ሕብረተሰብን
ሕንቅልሕንቅሊተይ/ምስላታት
1

ባቢሎን ትብል መጽሓፍ መን ኢዩ ደራሲኣ?

* ተኬኤ ተስፋይ

*ዶ/ር ፍረ ክብራኣብ

* ኢሰያስ ጸጋይ

ዶ/ር ፍረ ክብርኣብ

1

ናይ መጀመርያ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳይት ናይ ኤርትራ መን እዩ

* ጲጥሮስ ሰለሙን

* ማሕሙድ ሸሪፎ

* ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)

* መስፍን ሓጎስ

ማሕሙድ ሸሪፎ
1

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ካብ ሓይልታት-ናብ ቦጦለኒ ኣውዳድባ ክብ ዝበለሉ እዋን  መዓስ ኔሩ?

* ሰነ 1976

* ሓምለ 1975

* ጥቅምቲ 1978

* ሕዳር 1977

ሓምለ 1975

1

ኣሃዛት ናይ ግእዝ መን ሚሂዝዋ!

* ኣባ ኣንጠንዮስ

* ኣባ ከሳቴ ብርሃን

* ኣባ ተወልድ ብርሃን


ኣባ ከሳቴ ብርሃን

1
ለሚን እንተዘይበሊዕካዮ ዕንጉለ __________ እንተዘይፈሊጥካዮ ጽላለ

ትምህርቲ

2

ስነጥበባዊ የማነ ገብረሚካኤል ባርያ መዓስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ?

*1993

*1996

*1998

*1997

1997

2

ጉጂለ ባህሊ ሸዊት መን ምስሪትዋ?

* ኢሰያስ ጸጋይ

* ሰሎሙን ድራር

* ፍሰሃየ የውሃንስ (ጆሽዋ)

* ኢፍሬም ካሕሳይ

ፍሰሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)

2

ጉንበት 12, 1988 ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኣጋጢሙ

* ህልቂት ወኪዱባ ብደርጊ

* ህልቂት12 ዓድታት ሽዕብ ብደርጊ 

* ህልቂት ዖና በስገዲራ ብደርጊ

ህልቂት 12 ዓድታት ሽዕብ ብ ደርጊ

2

ገዳም ብሞነኮሳት ኢያ ትማሓደር፣ርእሰ ሞነኮሳት መን ይባሃል?

* ኣባ

* ምኔት

* መርጌታ

* ጳጳስ

ምኔት

2

ዝውር ውዒላ ጽፍዒት ትድረር ፍለጠለይ

መንፊት
3

ተደናጊረ እንብር ምልላይ ስኢነኩም እትብል ብብዙሓት ዝተደርፈት ደርፊ ናይ መን እያ


* ኢልሳ ኪዳነ

* ሄለን መለስ

* መስፍን ተስፋገርጊሽ (ማዕበል)

* ኢሰያስ ኣስፍሃ

መስፍን ተስፋገርጊሽ (ማዕበል)

3

ናይ መጀመርታ ተጋደልቲ ጓል ኣንስተይቲ መን ትባሃል?

* ተጋዳሊት በኪታ መሓመድ ዓሊ

* ተጋዳሊት ጅምዓ ሙሳ ዑመር

* ተጋዳሊት ዘይነብ በሽር

ተጋዳሊት ጅምዓ ሙሳ ዑመር

3
ኤርትራ ዝብል ስም ናይ ሃገርና ብመዓስ ዓመተ ምህረት ወግዓዊ ስም ናይ ኤርትራ ኮይኑ


* 1952

* 1890

* 1869

* 1941

1890

3

ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ጎስማይ ኢልና ንጽውዖ እንታይና ምስ ዝከውን ኢዩ?

* ወዲ ሓውካ

* ወዲ ሓውትኻ (ሓፍትኻ)

* ወዲ ኣቦኻ

* ወዲ ኣዴካ

ወዲ ሓውትካ (ሓፍትኻ)
3
ሓወይ ኢልካ ሰብ ኣይትእመን፡ ድሙ'እኻ ተምጽኣልካ ____________
ተመን
4

ኣብ 1965 ኣብ መንእሰይ ኤርትራ ሓያል ጽልዋ ዘሕደረትን ትእምርቲ እምቢታ ዝኾነት ሽገይ ሃቡኒ ትብል ናይ መን ደርፊ እያ

* በረከት መንግስትኣብ

* ተወልደ ረዳ

* ሃይለ ገብሩ

* መምህር ኣለማዮ ካሕሳይ

ተወልደ ረዳ
4

ኣብ ቅያ 18 ደቃይቅ ዝተሰወእ ስውኡ ሓደ'ዩ። እቲ ስውኡ መን ይብሃል?

* ሃይለ ተስፋይ (ፍላንሳ)

* መብራህቱ ገብሪሂወት(እምባየ)

* ቴድሮስ ሃብቶም (ማጉላ)

* ክብሮም ሃይለ (ሓለንጋይ)

መብራህቱ ገብርሂወት (እምባየ)
4
ኤርትራ መበል ክንደይ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና


* 199

* 181

* 182

* 189

182

4

ዎሶምያ ዝባሃል ሳዕሲዒት ከም መዘናግዒ ብዘይ መርዓዊ ዝጽወት ሳዕስዒት ኢዩ::እዚ ጸወታ ዚ ደቂኣንስትዮ ከበሮ እናሃረማ ክደርፋሎም ከለዋ፡ መንእሰያትን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ይስዕስዑ።እዚ ዓይነት ሳዕሲዒት ኣብ ኣዮኖት ቢሂር  ሃገርና ይጽወት?

* ኹናማ/ ሕዳርብ

* ራሻይዳ/ በኒዓምር

* ትግረ/ብሊን

* ትግርኛ/ ሳሆ

ትግረ/ብሊን

4

ክልተ ጎረባብቲ ንሓድሕደን ዘይረኣኣያ ፍለጠለይ

ኣዒንቲ